Skip to content

ጽሟቕ Blurbs ዋዕላ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራ EBRF

ዋዕላ EBRF ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራ ካብ 15-19 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ዕንቅፋት ክካየድ ቀንዩ። እዚ ንባዕሉ ልዑል ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ’ዩ። ካብ ኣውስትራልያ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካናዳን ሓዊሱ ካብ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ዝመጹ ኣስታት 100 ልኡኻት ከምኡ’ውን ተዓዘብቲ ፡ ንመጋገዪ ሓበሬታ (disinformation), ምዝንባዕን (distortion): ምጥቛስን ዝተፈላለዩ ሚድያታት ዘሎ ቃና መጋበርያታት ስርዓት ህግደፍ ብሙሉእ ደረጅኦም ተፈታተኖም ክሳተፉ ክኢሎም ብምዃኖም እዚ ፍጻመ ኣገዳስነቱ ሸለል ክበሃል ኣይክእልን።
ኣብ ትሕቲ “መንገዲ ሓርነትን ዲሞክራስን ኤርትራ፡ ብሓድነት ምጉዓዝ ናብ ድሕረ-ምልኪ መዋእል” ብዝብል ቴማ ኣተኩሩ ክካየድ ዝቀነየ ዋዕላ’ዚ፡ ተወከልቲ ሃገራት ምስ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ንኽራኸቡ፡ ካብ ስራሕ ሓድሕዶም ክመሃሩ፡ ከምኡ’ውን ግብራውን ዘላቕን ፍታሕ ንምልላይ ዝሕግዙ መንገድታት ንምድህሳስ (እቲ ዕላማ ንምዕዋት ዝቕጽል ስጉምትታት ውጥን ምምዕባል) ዝዓለመ እዩ።

ቀንዲ ዕላማታት ዋዕላ:
1 እዋናዊ ተበግሶታትን ቀዳምነታትን ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ንምዝታይ
2 ብሉጻት ተሞክሮታት ምክፋልን ንመጻኢ ስጉምትታት ዝኸውን ለበዋታት ምምዕባልን።
3 ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምዕባይን ልኡኻት ሃገራት ኣብ ክፉትን ሓሳብ ዝድርኽን ዘተ ክሳተፉ ምትብባዕን።
4 እንሆ ብኸመይ (ጽማቕ ዓውደ-መጽናዕቲ/workshop፡ ገለ ካብቶም ዝተዘርበሎም ኣርእስታትን ካልእን):-

ሀ. ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍልቀት ንሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ብውደባውን ብስርሒታውን/ብፕራግማቲካውን መንገዲ ንነብሱ ብምልዋጥ ናብ ሓድሽ መድረኽ ቃልሲ ክዳሎ የድሊ?
ለ) ብከመይ ኻልኦት ንጹርነት ምስ ዘርእዩ ብመሰማሚዒ ነጥቢታት: ኣብዚ ህሞት ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ብምርዳእ ንምትእንጋድ (accommodate) ሓቛፊ ብምዃን ናብ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ክሰፍሕ ይኽእል?

ዝርዝር ደምዳሚ አዋጅ ድሕሪ መዕጸዊ ጽንብል ዋዕላ ክስዕብ ስለዝኾነ ተኸታተሉና።

ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራ EBRF
20 ሕዳር 2025