መርሓ ጐደና (Roadmap): እማመ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ (EBRF) ኣብ መቓን ሰለስተ ገጻት ዘለዎ ፖለቲካዊ መስርሕ
ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ
ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ፖለቲካዊ ጭፍለቓ፡ ቁጠባዊ ምንቚልቛልን ማሕበራዊ ብርሰትን ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ለውጢን ኣድላይነት ናይ’ቲ ናብኡ ንምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታት ንምስዓርን ብኣኡ ኣቢላካ ድማ ለውጢ ንምውሓስን እምበኣር ጽባሕ ዘይበሃሎ ጉዳይ እዩ። ካብ’ዚ ንድሓር ህላወ ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለ ዝኣቱ።
እዚ እማመ ግንባር’ዚ ንኩሎም ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጥዑይ ምሕደራን ሃገራዊ ልዕላውነትን ንምውሓስ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከም ሓደ ሓፈሻዊ መርሓ ጐደና (Roadmap) ኮይኑ ከገልግል ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ግንባር’’ዚ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣተኲሩ ይቃለስ፦ ሀ. ስርዓት ምእላይ (Regime Change)
ለ. ንዂሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን፡ ብሓቛፍነት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝልለ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም
ሐ. ብምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ኣቢልካ ናብ ሃገራዊ ህንጸትን ዘላቒ ልምዓትን ምስግጋር
እዚ ሰነድ’ዚ ከም ሓንቲ ደሞክራሲያዊትን ሓድነታ ዘውሓሰትን ኤርትራ ንምውሓስ ዘገልግል ፍረይምወርክ ወይ ሓባራዊ ተግባር (ተግባራት) ኮይኑ ይቐርብ። ኲሎም ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ደልይቲ ለውጢን ፍትሕን ድማ ኣብ ከባቢኡ ክዓስሉን ብኣኡ ኣቢሊም ድማ ሓርነት፡ ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ክጽዕቱን ይጽውዕ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ዕላማታት (ስርዓት ምእላይ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም: ቅዋማዊ መንግስቲ: ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይእትው እምነታት ይኾኑ። ንኲሎም ካልኦት ውሳኔታት ድማ የማእዝኑ።
እስትራተጅያዊ ባእታታት (Strategic Elements)
ሀ. ስርዓት ምእላይ (Regime Change)
- ናይ ኩሎም ዘቤታውያንን ኣብ ደገ ዝነጥፉ ፖለቲካዊ ውዳበታትን፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን፡ ካልኦት ንለውጢ ዝመነኑ ቀስቀስተን (ኣክቲቪስትስ) ግንባር ምምስራት (EBRF)
- ንኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኣብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ህጹጻት ውዓል-ሕደር ዘይበሃለሎም ዕላማታት ንምጉስጓስ ዝሕግዝ ናይ መራኸቢታት እስትራትጂ (communication strategy) ምርቃቕን ምትግባርን
- ስሉጥን ኣድማዕነት ዘለዎ ብቑዕ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ምዝገባ ኣባላት ግንባር ምክያድ።
- እስትራተጂካዊ ስሕበት ተቓለስቲ Strategic Absorption ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣተኲሩኡ ይኾኑ፦ 1. ምልላይ ኣድማዕቲ ወለንታውያን ተቓለስቲ 2. ግቡአ ዝኾነ ስልጠና 3. ምደባ ኣብ ዝግባእ ቦታ
- ፋይናንስ ግንባር:- 1. ልሙድ መርበብ ፋይናንስ 1.1 ሓገዝ ካብ ህዝቢ 1.2 ሓገዝ ካብ ሰብ-ጸጋ
- ስርዓት ምእላይ፡ ኣሎ ዝበሃል ናይ ቃልሲ ኣገባባት እንተላይ ሰላማውን ዘይሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት (ሲቪል ኣብያ – civil disobedience – ካልእን) ብምዝውታር ዕምሪ’ቲ ህልዊ ምልካዊ ስርዓት ከም ዘኸትም ምግባር
- ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምውሓስ ንዝወሰዱ ተበግሶታት ንምቕዳም ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ኣካላት ኣብ መትከላት እስትራተጂካዊ ሽርክነት ዝተመስረቱ ኪዳናትን ምሕዝነታትን ምምስራትን ምድልዳልን
እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉን ምርጫ ንሱ ስለ ዝኮነ ክንስዕቦ ወሲንና ኢና። ኩሉ ሰብ ብሞይኡን ጉልበቱን ንዋቱን በብዝክእሎ ክሳተፍ ንምሕጸን።
ኣጀኩም ኣብ ጎድንኩም ኣሎና ሰብ ሕድሪ
I proud of you guys
ነዚ ኣማጺ ስርዓት ንምእላይ ኩላህና ደለይቲ ፍትሒ ንሕበር
Right now, Regime change
ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና
EBRF
I would lake to say
I Apriciouite to you
are taken a turning
Point for blue revolution
To ward’s to the end point
So,I am ready for every thing
What you are need.
Your courage and commitment to peaceful resistance in the face of oppression is deeply inspiring. Fighting for democracy, human rights, and a future free from totalitarian control is never easy—but your strength, unity, and vision light a path for others. Stay resilient, stay peaceful, and know that around the world, many stand with you in hope and solidarity. A better future is possible, and your voices matter.
ብሉጽን ጽፉፍን ገላጽን ገርኩም ኣቅሪብኩሞ ኣለኩም ፡ ኢቶም ኣብ ባይታ ዘለኩም ጊን ናብ ሓደ ትመጽሉ መንገዲ ክትጽዕሩ ይላቦ
EBRF He wins
Good to go💙👍
ንዘይተርፍ ዓወት ሽጥ መዓንጣ።
እቲ እንኮ ኣማራጺ መርሖ ቃልስና ፡ ኣብ ኤርትራ ሱር-በተኻዊ ለይጢ ኣብ ዝሓጸረ ምርግጋጽ’ዩ።
Excellent viva BN
ኣዝዩ ደስ ዝብል ብዝተኻእለና መጠን ሕግን ሕጋውነትን ክንክተል ይመክር የቀንየለይ
ካብ ምዕራፍ 1 ናብ ምዕራፍ 2 ንሳጋገረሉ ዘለና መድረኽ ኢዩ። ስለዚ ዝድገፍ ሓሳብ ኢዩ።
ጽቡቕ መደብን ተበግሶታትን’ዩ። ኣብ ጎንኹም ኣለና ብዝተካእለ መጠን ነቲ ግሎባል ዝብል ጥርናፈ ምሳኹም ክጥርነፍ ስርሑ።
ዓወትና ብቕልጽምና
ፊልሞን ኤቶ
EPLF Is the first and last Eritrea enemy must go . blu revolution 🌿💙🌿
ንፍትሒ፣ ነፃነት፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምስ ዝብህጉን ዝቃለሱን ወገናት ኮይነ ክቃለስ ድልዊ እየ።
እዋናውን ቅኑዕን ንራኢናን ዕላማን ዘተግብር ውሳኔን ዕድልን እዩ :: ኣብ ምዕዋቱ ብሓባር ኣለና::
Yes
Good idea
ዓወት ንህዝባዊ ማዕበል ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ
ወሳኒ ቃልሲ ክኸውን በዓል ምሉእ ተስፋ ኢየ።
ህዝብና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ክኸውን ኣለዎ። ምልኪ ይኣክል
Selam nakum deleyti fethi ezi ab midya zgeber zło nay zymrdeda bewshti ente tgbrwo mehash neru meknyatu nhzbna kebid enqfat eyu
tnx ስለ ኩቡር ግዜኹም
ሰላማት ክቡራት መቃልስቲ: እዚ ትከድዎ ዘለኩም ቃልሲ ነታ ኣብ ድቅድቅ ጸላም ተዋሒጣ ዘላ ኢርትራ ናጻ ዘውጽእ ስጡም ቃልሲ ስለ ዝኮነ: ብኣዝዩ ረቂቅ ምስትውዓልን ጥበብን ክትሰርሕሉ ይላቦ:: ሓድሕድኩም ክትገዳድዑ ኸለኩም: ንጸላኢ ቦታ ትህብዎ ስለ ዘለኩም ብፍቅርን: ስኒትን ኣበርቲዕኩም ስርሑ:: ከምታ ወርሒ ነቲ ብርቱዕ ደበና ሰንጢቃ ወትሩ ብርሃና ተድምቅ ንስኩም ክኣ ኣብ ህዝብና ኸምታ ወርሒ ኢኩም::
hawkum Ablel kesee
ሰላም በርጌዳውያን
እንበኣር ከስ እዚ ትገብርዎ ዘለኩም ብጠዕሚ ዝነኣድ ዩ ኣጆኩም ብሓንሳብ ኣለና ።
ሓንቲ ክብላ ዝደሊ ኣብዝኮነ መደረ ተስምዕሉ ይኩን ጹሑፍ ኣብ ትጽሕፉሉ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ይዕወት ምባል ኣትረስዕ አዚኣ ቃል ቀላል ትመስል ግን ነቲ ህዝብና ኣጎንና ክከውን ብጠዓሚ ሃጋዚት እያ 💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💯
ዝወሰድክሞ ተባዕ ስጉምቲ ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡
ኣብዚ እማመ ግን ምእላይ ስርዓት እንታይ ማለት ምኻኑ ኣይተገልጸን ወይ እቲ ተገሊጹ ዘሎ ካብ ናይ ህባዊ ግንባር ዝፍለ ኣይኮነን፡ ስለዚ ሓደን ናይ ሓባር መንገዲ” መርሓ ጎደና” መሰል ሰብን መሰል ማሕበረሰብን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዕላማ እንተዝኸውን ወይ ብናተይ ርእይቶ ናይ ግድን ክኸውንን የተሓሳስብ።
ምስ ሰላምታ
ፍጹም ያቆብ
ጽቡቅ መደብን ተበግሶታት’ ዩ::
ኣብ ጎድንኹም ኣለና ብዝተኻእለ
መጠን ነቲ ግሎባል ዝብል ጥርናፈ ምሳኹም
ኽጥርኀፍ ስርሑ ::
ዓወትን ይሃብኩም ፈጣሪ.
Habtom Fesehaye
እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ውሳነ ደገፍቱ ብዙሓት ኢና ። ኣጆኹም ሓንሳብን ንሓዋሩን ህዝብና ሓርነቱ ክረክብ ኣለዎ። ወትሩ ኣብ ጎንኹም።
I agree
ዓወትና ብቅልጽምና ዓማጺ
ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ክጎሓፍ ኣለዎ
I respect EBRF.
I will try to help EBRF AS I CAN.
That is good idea so support it on anything
Yes I support Regime change in eritrea.
1. ናይ ደገ መንግስቲ ክምስረት ምትብባዕ። መሰጋገሪ መንግስቲ (ውሱን ግዜ ዘለው)ድሕሪ ምእላይ ዲክታተራዊ ስርዓት ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክረአ ኣለዎ።
2. ዝተጠርነፉ ምሁራን ኣካላት ንዲፕሎማሲ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ክፈጥሩ ዝኽእሉ። ብፍላይ ገንዘባውን ካልእ ንዋታውን ክሕግዛ ዝኽእላ ሃገራት ምሕዝነት ምፍጣር ኣገዳሲ የምስለኒ።
ኣዝዩ ጽቡቕ፡ ክድፈኣሉ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ፡
ሉዕላውነት ኤርትራ ብቕድሚት ዝሰርዕ ብምዃኑ አዚ ህዝቢ ንኽዓስሎ ኣዝዩ ሓጋዝን ወሳንን ኢዩ። ካሊእ ሓደ ሰብ ዝጸሓፋ ካሊእ ስፐሊንግ ቸግ ዘይገብሮ ፡ ጽቡቕ ኣይኮነን ኣንቢብኩም ዓርይዎ።
ትሑዝቶ ናይዚ ጽሑፍ ኣዝዩ ንጹር ኢዩ። ሓደ ሓውና ናይ ትግራይን ኤርትራን ህዝቢ ነጻ ክወጽእ ዝብል ነይርዎ፡ ኣብ ጉዳይና ነድህብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሒ ኢዩ ትም ኢሉ እንበር፡ ሪኢቶ የብሉን ማለት ኣይኮነን፡ ትግራይ ክንዲ ዕጽፍና ኢዮም ኣዝዮም ብሉጻት ተንተትን ተቓለስትን ኣለዎም ፡ ኣብ ጉዳይና ምስነድህብ ኢና ብዙሕ ሰብ ዝዓስለና።
ዓወትና ብቕልጽምና
ሰላም ፡ ምዕባለን ብልጽግናንን ንህዝቢ ኤርትራን ጎረባብታን።
ምሉእ ዓወት ይሃብኩም ፡ ሰብ ሕቶ ክህልዎ ክሎ ዝምልከቶ ኣካል መልሲ ቀልጢፉ ክህብ ይላቦ። ዕርቂ ኣብ ነድሕድኩም ግበሩ፡ ነገራት ኣይሸፈን ። ምኽያቱ ይእጎልዩ እምበር ኣይጠፍእን።ብሉጽ ስራሕ ፡ ጋድ ብለስ ኤርትርያ ዓደይ።
Dictator Eritrean government must changed.
Good idea actually I am a customer house Eripm media I pay every month. I am very happy with the new front in Ethiopia, I always pray to win. I want to join one day it is god know about it. you are good and you are in critical time just focus on the goal that is regime change with greeting zereit
Good job. FORSA BLUE REVOLUTION !!
Nahmedu
ነዚ Roadmap ናይ EBRF ኣንቢበዮ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተቓለስናሉን ክንጽበዮ ዝጽናሕናን፡ መድረኽ ዝጠልቦ ህጹጽ ጉድይ ምዃኑን ፡ብዙሓት መተካእታ ኢና ዝብሉ መኻልፍ ወስታታት ኣብ ዝቀላቐሉሉ ዘለዉ እዋናት መስመሩ ኣነጺሩ መሪሕ ተራ ሒዙ ስለዝወጸአ ነዚ ተቐቢለ ኣብ ጎኑኹም ክኸውን ድልውቲ ኢየ።
ክሳብ መጨረሽታ ዓወት ኩሉ ካባይ ዝድለ ክገብር ድልው እየ ። ዓወት ንብርጌድ ንሓመዱ ኣዲስ ኣበባ ።
ኣነ ከም ተቃላሳይ ነዚ ኣብ’ዚ ወፍሳይድ ተጻሒፉ ዘሎምሉእ ብምሉእ እሰማማዓሉ’የ ብዝተኻእለኒ ዓቅመይ ንምግባር ድልው’የ ኣብ ቀጻሊ ዓወት ንተቃለስትን ብዝያዳ ካኣ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ጨቓኒ ስርዓት ክጋላገል ሓርነቱ ባዕሉ ክእውጅ እምነ!!!
ብጣዕማ ተባዕ ዝኾነ ውሳነ ጨራ ነብሪ እንተሕዝካ ዘይምስዳድ እዩ እሞ ኣጆኹም ኣብ ጎድኑኹም ኣሎኹ ዓቕመይ ዘፍቀዶ ከበርክ ፍቓደኛ ኮይነ ኣሎኹ
So nice yhwat
So nice yhwat
I need to membership regime change
Regime change
Regime Change
Viva Blue revolution front !!!
💙
ጽቡቅ ምጅማር ። እዚ ቃልሲ ብሉጻት ሰባት ወሲዱ ኢዩ ፡ንወስድ ኢዩ እውን! ክብሪ ወዲ ሰብ ዝመልስ ክከውን ኣለዎ ። ስብ ይዓቢ ካብ መሬት።
ሎሚ 👁️👁️👁️ በርሀ
ደስ ዝብልዩ እዚ ቃልሲ ክሳብ መጠረሽታ ክበጽሕ ዓቅመይ ዘፍቀዶ ክገብር ድልው እየ
ቃልሲ !!! ስሙ ሓባሪ ኢዩ፥ ጥዑም ከኣ ኣይኮነን ብታህዋኽን ትምኒትን ዝዕመም ኣይኮነን። ሕጂ እዚ ኣዋጅ ምምስራት ዕጥቃዊ ቃልሲ እዋናዊ ኢዩ። እዚ ክብል ከለኹ፤ ዕድልና ኮይኑ ኣብ ዞባና ዝርአ ጂኦ ፖለቲካዊ ጽልዋታት ብግቡእ ተጸኒዑ ከስዕቦ ዝኽእል እወታዊን ኣሉታዊን ሳዕበናቱ ሚዛን ዘውሓሰ ን ዘለለየን ይኸኹን እብል። ሕቶ ህዝቢ ዝሰምዕ ኮይኑ ምጒጅጃል ከስዕቡ ዝኽእሉ ነቓዓት ምዕባስ። ቅድሚ ኩሉ ከኣ ልዑላውነትና ከይፈታተን ምስ መን ንጐዓዝ ምህላዉና ትኩራት ክንከውን ኣሎና። ኣነ 80 ዓመት ዕድመ ክረግጽ ኣዋርሕ ኢዩ ተሪፉኒ፤ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ከኣ ናይ ሰላም ታሪኽ የብላን ኣብ ዝኾነ እዋን። ንጠንቀቕ!!!
ዓወትና ብቅልጽምና
So far so good… just ms hzbi communicate ngebrelu megedtat bzuh knfetr alena… thanks
First of all I would like to say thank you for this opportunity. So we have to fucus to the turning point which is the only way to follow is Regime change Regime change…………
ብረገድ ንሓመዱ ኩሉንትናኣዊ ዓቕሙ ብምሕያል ንዘይተርፍ ዓወት ኣብዚ ወሳኒ እውን ክሕይል ይግባእ ።
ጽቡቅ ተበግሶ : : ብ ድምጽን ቪድዮን ተዝዉሰኾ ዝበለጸ ምኾነ : :
ሰላም ብርጌዳውያን ፡ ጽቡቅ ስጉምቲ ።
ተወሳኪ እውን ይሕመቅ ይጸብቅ ቅዋም እንተዝጸሓፍ ዳሓር ዋላ ምትዕርራይ መተገበረሉ ሓጋዚ ምዕባለ ምኩነ ንመጻኢ።
ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም ።
ነዚን ዛሓለፋ ናይ ባርነት ዓመታትና ብዝተፈላለየ ሓሳባት ይኹን ዉዱባት ክንከዶ ዝጸናሕና መገዲ መዛዘሚ ንገብረሉ ግዚኡን ሳዓቱን ኢዩ ሞ ኩላትና ደቂ ሃገር ውልቃውን ውድባዊ ኣተሓሳስባናን ንግዚኡ ኣወጊድና ኣብዚ ተበጺሑ ዘሎ ዛዛሚ ጉዕዞ ክንሓብር ይግባአ፡ ብርጌደይ ቀሪብና ኢና ኣጆና!
I agree with you keep it and but during respond some other friends or colleagues please with respect, because tomorrow they joined you in different means
Thank you
ሰላም ንዓኹም ንዝወሰድኩሞ ተበጉሶ ዝናኣድን ዝሳዓብን ኢዩ። ነዛ ንቃለሰላ ዘለና Regime Change ኣምላኽ ክድግፋ ኣብ ፍጻሜ ክትበጽሕ ይምነ። ተወሰኺ ብዝተኻእለና መጠን ሕግን ሕጋውነትን ክንክተል ሰብ ማከል ዝገበረ ከይዲ ክኸየድ ይመክር የቀንየለይ።
Zeru
I agree with you keep it and but during respond some other friends or colleagues please with respect, because tomorrow they joined you in different means
Thank you
Regime Change !!!!!
Regime Change
ሕጂ ዩ ቲግዝየ
We will win regime change we are proud of you EBRF.
እዚ ወሲድኩሞ ዘለኹም ተባዕን ዝናኣድን ስጉምቲ ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ እንዳ ኣድነቕኩ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ብዙሕ ክእከብን ክፍንጣሕን ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ትምህርቲ ወሲድና ኣብዚ ምብጻሕና ንመላእ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ እንቓዕ ሓጎሰካ ክብሎ ይደሊ። ንሓገዝ ዝምልከት ካብ ኣፍ ደቅና መቒልና ክንድግፎ ኢና። ኣጅኹም ኣንጻርኩም መደረጋሕ እንተተገብረ ድምብርጽ ኣይበልኩም፡ ክንጽሩ እዮም ከይፈተዉ።
We are proud of you guys keep going, never stop.
Good job guys
I agree 100% with proposal
ሕጂ እዩ እቲ ናይ ለውጢ ግዜ 💙💙💙👏👏👏💙💙💙
Good job on creating a well-articulated roadmap. The content of the roadmap is quite encouraging for anyone starting out and it helps clarify doubts for those who are uncertain, especially for those who are neither supporters nor opponents.
May God help the justice seekers!
Blu revolution stay strong 💪 focus on the future our political and diplomacy with global government.
🌿💙🌿💙
ሩጡብ ስትራተጂ
ኑጹር መርገጺ
ሰፊሕ ራኢ
ዘይተርፍ ዓወት ዮ።
ወሲድኩሞ ዘለኩም ህጹጽን ወሳንን ስጉምቲ ምካኑ እናኣመንና ክብሪ ይግባኣኩም ኢልና ኢና
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብዘይ ገደብ ሻዕብያ ክሳብ ዝወድቅ ዝከኣሎ ክሕግዘናን ውሕስነት ዘለዎ ባይታ ከጠጣሓልናን ዝከኣለኩም ክትጽዕሩ ይላቦ
ኣጆኩም በርትዑ ንዝተበገሰ ዓወት ርሕቅቲ ኣይኮነትን ኣብ ጎንኩም ኣለና 💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙💙
ሓንትን መማረጺ ዘይብላ ፍልልያትና ኣጽቢብና ንኩሉ ዝተረኽበ ዕድላት እንዳተጠቀምና ጸላኢና ሓደን ንሱን ጨቓኒ ስርዓት ሕግደፍ ጥራይ ምኻኑ ኣሚንና ብኹሉ ዓቅምና ገንዘብና ንዋትና ንቃለሶ ኽንቃለሶ ይላቦ።
ሰላም በርጌዳውይን – እዚ አውጺኹሞ ዘሎ መርሐ ጒደና “road Map “ ከም መበገሲ ዝኸውን ኮዩና : ትካላዊ ቅርጽን ምሕደራዊ አካይዳን ክሕዝ አለዎ – ብቁርዑይን ቁኑዑን (transparency) ዘለዎ ክቅጽልን ክዕወት መእንታን ።