Skip to content

ደምዳሚ ኣዋጅ ዋዕላ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ

ድሕሪ ናይ ሹዱሽተ ኣዋርሕ መሪር ግን ከኣ ሃብታም ተመክሮ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት፣ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 19 ሕዳር 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ ዋዕላኡ ኣካይዱ። ብዝሒ ተሳተፍቲ ናይዚ ዕዉትን መስተንክርን ዋዕላ፣ ንብርጌድ ንሓመዱ ወኪሎም ካብ ኣውስትራልያ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፣ ካናዳን ኣፍሪቃን ኪኖኡን ዝመጹ ሓዊሱ ብተወሳኺ ወከልቲ ውድብ ግንባር ሓድነት ዓፋር ደንካልያ ኤርትራ Eritrean United Afar Dankalia Force (EANC and RSADO-95) ፣ ፈልሲ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢን ጩራ ባንድን ዘጠቓለለ ኣስታት 100 ተረኺቦም ነይሮም።

ፈለማ ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ  ሰፊሕ ናይ ጸለመ ጎስጓስን ምዝባዕን ከምኡ ’ውን ህዝቢ ኤርትራን ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌዱ ንሓመዱን ነቲ ናይ ጸለመን ሱልካን መጥቃዕቲ ንምግጣም ተባዕ ቃልሲ ከምዘካየደ: በዚ ድማ ህላወን ቀጻልነትን ሰፊሕ ግንባር ከምዝተረጋገጸን ገምጊሙ  ኣረጋጊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ብገባቲ ስርዓት ኢሳይያስን ህግደፍን ካብ ሕሉፍ መግዛእቲ ባዕዳውያን ብዝብእስ ኣብ ባርነት ተቖሪኑ ኣሎ። ከም ሳዕቤን ናቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጽባሕ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ተጠቒሙ ልዑላውነት ሃገር ዘረግጋጽ – ዳግማይ ቃልሲ ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ከበግስ ተገዲዱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣብ ቃልሲ ይርከብ። ስለዚ እዩ ‘ምበኣር ፈለማ ብርጌድ ንሓመዱ ኮነ ወይ ‘ውን ግንባር ብሃውሪ ዝተወልደ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ ህዝባዊ ነድሪ ዝሕመረቱ: ሰፊሕ ተሳታፍነት ደለይቲ ሓርነት ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ መቐጸልታ ናይቶም ሰንሰለታውያን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ግንባር ኣስሚርሉ።

ኣዋጅን መጸዋዕታን ዋዕላ ግንባር

1. ብርጌድ ንሓመዱ ቀጺሉ ሕጂ ‘ውን ግንባር ካብ ዝጅምር ኣድህቦኡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣነጻጺሩ: ሳላ ኣብ ግብራዊ ቃልሲ ዘተኮረ ቃልሲ ናይ ባይታ ኣብ ምምችቻእ ከም ዘሎ ግንባር ይእውጅ።

2. ግንባር እዚ ኣብ ባይታ ጥቓ ሓመዱ በጺሑ ዘሎ ቃልሲ ናብ ውሽጢ ሃገር በብቁሩብ እናኣተወ ስለዘሎ: ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ምእንቲ ብዓቢ ሓይሊ ክሳተፎ ግንባር ኩሉ መዳያዊ ናይ ውሽጢ ሃገር ውደባን ርክባትን ናይ ቃልሲ ምትእስሳርን ጎስጓሳትን ከስፍሖ ኣበርቲዑ ከምዝጽዕር ይእውጅ።

3. ነቶም ኣብ ስደት (ዲያስፖራ) ሓያል ዘይምእኩል ውዳቤታት ፈጢሮም ድሮ ዝጸንሑ ኣካላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ጎኒ ግንባር ተጠርኒፎም ዘለዉ ሃገራዊ እጃሞም ከበርክቱ ናይ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ከም ዝቖመ ይእውጅ።

4. ፖለቲካውያን ውድባትን ምንቅስቓሳትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣብዚ ዝቐውም ቤት ምኽሪ፣ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ  ቃልሲ ብንጥፈት ክሳተፉ ምስ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ብመሰማሚዒ ነጥቢታት ክጽንበሩ ይጽውዕ።

5. ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ናይ ሓርነት ቃልሲ ንዋታውን ዲፕሎማስያውን ሓገዛት ክረክብ ምእንቲ    ዓቕሚ ዘለዎም ኤርትራውያን ሰብ-ጸጋ/ሃብቲ፣ ሃገራውያንን ተደናገጽቲ ብቕርበት ክሰርሑ ግንባር ይጽውዕ።

  ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ                                                                                        

 22 ሕዳር 2025

1 thought on “ደምዳሚ ኣዋጅ ዋዕላ ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ”

  1. ኣይጀኩም ሰብ መትከል!
    ኣብዚ እዋናውን ተሃዋሲ ቦታን ኮንኩም ነዚ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ትቃለሱ ዘለኮም ኩሉኩም ኣባላት ግንባር ምስጋና ይግብኣኩም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *