ዝከበርኩም ኣባላት ሰማያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመድን ደለይቲ ፍትሕን
ሃብታም ታሪኽን ተጻዋርነትን ዘለዎ ህዝቢ ዘለዋ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን እያ ዘላ። ንዓሰርተታት ዓመታት ዓድና ብሓደ ምልካዊ ስርዓት ተታሒዛ፡ ድምጺ ህዝባ ሓኒቁ ሒዙ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተጋሂሱ፡ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣፍልሱ እዩ። እቲ መከራ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።ነዚ ሽግር ንምጥፋአ ድማ ህጹጽ ተበግሶ የድሊ።
ግንባር ሰማያዊ ሰውራ ኤርትራ (EBRF) ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ መላእ ዲያስፖራ ህዝብና ዘጋጠሞ ዓሚቝ ብስጭት ወጺኡ ኣብ ተስፋን ጽዑቕ ናይ ለውጢ ስራህን ተጽሚዱ ይርከብ ። ካብ ተባዕ መንፈስ ብርጌድ ን’ሓመዱ ብዝተውሃህደ ፡ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ናብ ህዝቢ ኤርትራን ንምምጻእ ዝተውፈየ ዳይናሚካዊ ሕይሊ፡ ኣብ ተግባር ዝተመርኮሰ ግንባር ኣብ ጽዕቅ ስራሕ ይርከብ።
ንምንታይ ኣብዚ አዋን ሓገዝ የድሊ
ግንባር ሰመያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ ዝተፈለየ ናይ ተቃውሞ ግጅለ ዘይኮነ፣ መቀጸልታ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ክገብሮም ዝጸንሐ ንጥፈታት ኣብ ውጽኢ ኮይኑ፣ንኩሎም ናይ ተቅውሞ ደንብታት ሓቑፉ ኣብ ቕድመ ግንባር ዝሰርሕ ሰሎ ሓይሊ አዩ። ተወሳኪ እዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት አንዳሰርሐ ይርከብ፥
- ንቕሓት ምዕባይ፡- ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት፡ ወተሃደራዊ ፕሮፖጋንዳኡ፡ ከምኡ’ውን ክስብ ብ ህይወት ኤርትራውያን ስወስድ ኣብ መላእ ዓለም ዝበጽሕ ስግረ-ሃገራዊ ዓፈና ብዘይዕረፍቲ ነቃልዕ ኣለና።
- ምልዕዓል ንለውጢ፡ ካብ ሰላማዊ ተቓውሞታት ክሳብ ስትራተጂካዊ ምግጣም ምስ መጋበርያታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ክንሰርሕ ጽኒሕና ፡ ሕጂ ኣብ ባይታ ስጉምቲ ንውሰደሉ ንስርዓት ሕግደፍ እንፋለመሉ ግዜ እዩ።
- ንዲሞክራሲ ዝኸውን ፍኖተ-ካርታ ምሕንጻጽ፡- ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝምልከት ሰፊሕ ፍኖተ-ካርታ ንምሕንጻጽን፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ፡ ተሓታቲ፡ ግሉጽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምትካልን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ዝወስድ መንገዲ ንምህንጻጽ ተብጊስና ኣሎና።
- ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፦ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ባዕሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ቃልስና ንምስፋሕ፡ ነቶም ኣብ ባይታ ሓርነት ሃረር ዝብሉ ሓይልና ብስትራተጂ ንሰርሕ ኣለና።
- ኣህጉራዊ ጉስጓስ፡- ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ሓቂ ክትሰምዕን ንፍትሒ ንምድጋፍን ምስ ኣህጉራዊ ኣካላት ብንጥፈት ንዋሳእን ሎቢስት ንቖጽርን ኣለና።
እዚ ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ዝሰርሖ ዘሎ ስራህ ኣዝዩ ኣገዳስን እውናውን አዩ። ይኩን ደኣምበር ስርዓት ህግደፍ ብዝትፈላልየ ምንገድታት ተጻብኦታት ይፈትረልና ስለ ዘሎ ሓገዝኩም ንሓትት።
ንለውጢ ንበገስ ዝከኣለና ነውፊ!
እታ ንሓልማ አኤርትራ ንምርካብ ሓቢርና ብትወፋይነት ንስራሕ፣ ንህግደፍ ንምጥፈእ ትብዓትን ተውፋይነትን ይሓትት።
ግንባር ሰመያዊ ማዕበል ብርገድ ንሓመዱ