Skip to content

ሓተታ/Editorial ትእምርቲ ኤርትራዊ ህዝባዊ ቃልሲ: ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ                                               

ውዳቤ ተቓለስቲ ኤርትራውያን ግንባር ህዝባዊ  ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ (EBRF) ዝተሰምየ ብኣጋጣሚ  ኣይኮነን።  እቲ  “ግንባር ህዝባዊ  ማዕበል”  ዝብል ቃል ናብ መበቆልን ኵውንነትን ብርጌድ ንሓመዱን ግንባርን ዘመልክት ጥራይ  ዘይኮነ  ሓላፍነቶምን ዕማሞምን እንታይን ንመንን ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ መለጋግቦ  ኣብ መንጎ  ዝሓለፈን ዝመጽእን፣  ንዝሓለፈን ዝሓለፉን ከምዘይረሳዕናዮም፣ ሕድሮም  (ሕድሪ ናይ  ኩሎም  እቶም እምነቶም ኣብ  ብርጌድ ንሓመዱ  ብምግባር ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ሃንቀው  ዝበልዋን ዝተሰዉኡላን  በብዓቕሞም ዝቃለሱላን) ናብ  መፈጸምታ ንምብጻሕ ቆሪጽና ተበጊስና ከምዘለና፣መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።

ሓቂ’ዩ ብዝተወሰነ ደረጃ፣ ኩሉ ግንባር፣ ግንባር ህዝቢ’ዩ። ነቶም ሃገራዊ ቻርተሩ ደጊፎም መብጸዓታቱ ኣሚኖም ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ዘለዉ ተቓለስቲ፣ ዝኣተወሎም መብጽዓ ክፍጽም ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ግን ምእላይ ስርዓትን  ምርግጋጽ ሓርነትን ሕጂ’ ውን እንተኾነ ብሰላማዊ ምርጫ ከምዘይመጽእ ርጉጽ ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ካብ ድሮ 1991 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ መሪር ፖለቲካዊ ቃልሲ ከይደመርካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ደምን ሂወትን እናተኸፍሎ’ዩ። ዲሞክራሲያዊትን ሓራን ኤርትራ ብዓይኒ ሕልና እናተራእየቶም፣ ህይወቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝሓለፈት ብጾትና ቁጽሮም 4 ኢዮም። ኣብ ልዕሌና ከም ህዝቢ ብህግደፍ  ዝወረደና  ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ዋጋ ሓርነትና ከቢድ ምዃኑ ርእሰ-ግሉጽ እዩ።

ነዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ሓለፋ ጥንቃቐን ክንክንን’ዩ ዝግብኦ። ስለዚ ድማ ነዚ ክቡር ዋጋ ዝተኽፈሎ ቃልሲ  ንሓርነት፣ ነቲ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ኣብ ባይታ ወሪድካ ምቅላስ ዕድል ሻላማላ ክንሪኦ፣ ብጸቢብ ኣተሓሳስባን ድኹም መንፈስን ኣንነትን ስሰዐን ክንዘርዎን ከነጥፍኦን ዘይኮነስ፣ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ወለዶታት እንተላይ ናይዚ ሕጂ ንኡስ ወለዶ ብርጌድ ንሓመዱ ሃንቀውታ ተጨባጢ ንምግባር ሓላፍነትና ክንስከም ይግባእ።

እቲ ግንባርን ኩሎም ሃገራውያን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ዝስከምዎ ሓላፍነት ግን እንታይ’ዩ? እንታይ’ዩ እቲ እምነት?

ሓላፍነትና ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፣ ንድሕረ ናጽነት ተመኩሮ ህግደፍን ያታዊ ተቓውሞን (ውድባትን)፣ ተመኩሮ ጭቆናን  ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህግደፍ ዘይምድጋም።  ካብ ናይ ካለኦት ናይ ያታዊ ተቓውሞ (ውድባት) ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል  ኣሉታዊ ተመኩሮ  መሰረታዊ ብዘይኮነ ፍልልይ ክንደይ ውድባት ከም ዝተፈናጨላ፡ ክንደይ ሓድነታት ከም ዝፈረሰ፡ ክንደይ ጽላላት ከም ዝተኾልፈ፡ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘኩሮና ብምዃኑ ኣብ ልቦና ኩልና ስለ ዘሎ ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን።

ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ወገንን ሃይማኖትን ማዕረ እትብጻሕ፣ ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ብዕዙዝ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ዝልለ ቃልሲ ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ  ንሓርነት ህዝብን ድሕነት ኤርትራን እዩ። ብኸመይ ግን? ካልኦት ከምዚ ኸማና ብተስፋን ድልየትን ተበጊሶም ጻሕ ኢሎም ኣብ ዝወደቅሉ ንሕና: ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ክንዕወት  ንኽእል’ዶ?

ቅድሚ ሕጂ “ኣይከኣልን” ዝተባህለ ነገር ዝፈጸምና ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓስን ህዝብን ስለዝኾንና፣ ሕጂ’ውን ንኽእል ኢና። ክልተ ነገር ግን የድሊ: ራእይን ተወፋይነትን!

ብቀዳምነት ንሕና፣ ግንባር መን ኢና፧ ናበይ ክንበጽሕ እንታይ ዓይነት ንሕብረተሰብና እተዕቁብ ሃገር ኢና ንደሊ፣ ከመይ  ገይርና’ኸ ንበጽሖ፧ ንዝብል ሕቶታት ከም ህጹጽ እዋናዊ ዕማም ምዃኑ ክንምልስ ምስ ግንባር ክንውደብን ክንሳተፍን የድልየና።    

ኣብዚ ክንጠቕሶ ዝግባእ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ተራ መስርሕ ምእላይ ስርዓትን  ንዂሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን፡ ብሓቛፍነት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝልለ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም – ኣብ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስነፍልጠታዊ ኣገባብ ንምምእዛን፡ ምእንቲ’ዚ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክውሰዱ ዘለዎም ግብራዊ ስጉምታትን እጃም: ተራ  ተቓለስቲን ብጽፉፍ ዘጽንዕ፡ ሓደ  ናይ መጽናዕቲ ኣካል ምምስራት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ብስም ሕቶታት ኣለና ዝብል ምስምስ፣ ብግብሪ ንሓድነት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝኾነ ግንባር ኣዳኺሙ ንምምቕቓል ዚሰርሕ፣  ንጸላኢ ዝኾነ ህግደፍ  መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላምኡን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመትኡን ምዃኑ ኮነ፣ ንረብሓ ቃልሲ ዚጻረረ ተግባራት ምስልሳል ደው ከብሉ የድሊ።  ምእንቲ ህያው ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  ነቲ ሓደገኛ መርገጺኦም ዳግመ-ግምገማ ክገብርሉ ግንባር  ፣ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን ግንባርን ደው ኢሎም ንተግባራዊ ዓቕሚ ግንባር ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ኪሰርሑ ግንባር ይጽውዕ።

ግንባር ህዝባዊ  ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ (EBRF)

08  ታሕሳስ 2025

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *